Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡

  1. እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትዉዓል እዩ ይብለና”(ምሳሌ 9፡ 10)። ግን ንኣምላኽ ብኸመይ ዓይነት ፍርሒ ኢና ክንቀርቦ ዘሎና፧ ንኣምላኽ ክንፈርሖ ክንብል ከሎና ከምቲ ህጻን ወይ ቆልዓ ንወለዱ ዘለዎ ፍርሕን ኣኽብሮትን ማለት ካብ ፍቕሪ ተላዒልካ ነቲ እተፍቅሮ ከይትስእኖ ወይ ከይትኸስሮ ዝዓይነቱ ፍርሒ ደኣ እምበር ከም እሱር ንኣሳሪኡ ዝፈርሖ ዓይነት ፍርሒ ክኸዉን ኣይግባእን።
  2. እቲ ካልኣይ ጥበብ እንረኽበሉ መንገዲ ድማ፡ ንጥበብ ብምሉእ ልብና ክንደልያን ክንብህጋን እንከሎና እዩ። ልክዕ ከምቲ ሰለሙን ዝበሎ “ከም ንብሩር ጌርካ እንተደለኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ  ኸኣ ሃለዉ እንተበልካያ”(ምሳሌ 2፡ 4) ይብል። ስለዚ ብልዑል ህንጥዮነት ክንደልያ የድልየና።
  3. እቲ ሳልሳይ ጥበብ እንረኽበሉ መንገዲ ድማ ከምቲ ያእቆብ ዝበለና  ብምጽላይ እዩ“ ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ እንተጎደለቶ ግና፡ ነቲ ከየስታሕፈረ ንኹሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ክወሃቦዉን እዩ” (ያእቆብ 1፡5)
  4. እቲ ራብዓይ ጥበብ እንረኽበሉ መንገዲ ድማ ንቃል ኣምላኽ ምንባብን ብኡኡምስትንታንን እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ድማ ኣብ መዝሙር ዳዊት ንረኽቦ “ሕዚ እግዚኣብሔር ፍጹም እዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሔር እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ” (መ. ዳዊት 19፡7)

ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ሰሎሙን ጥበብ ንኽህልወና እዩ ዘተባብዓና። ኣብ ምሳሌ 4፡5“ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትዉዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡዉን ኣይትዘምብል” ይብለና። ከምኡዉን ኣብ “ምሳሌ 19፡8”ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ” ይብለና።

“ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኮንምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትዉዓልክንደይ ኮን ይኸብር” (ምሳሌ 16፡16) ይብል። ከምኡዉን ኣብ (ምሳሌ 8፡ 32-35”ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መንገደይ ዝሕልዉ ብጹኣን እዮም እሞ ስምዑኒ። ጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ። እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ ብየዕለቱ ደገይ እናጽንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ዝረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ይቕበል”) ይብለና።

ስለዚ ጥበብ ብዓይኒ ወይ ኣመላኽታ ናይ እግዚኣብሔር ንሂወት ክንርድኣ ተኽእለና ማለት እዩ።

 ኣሮን ተስፋልደት(22/10/2022)

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...