Zeal For Wisdom: ፍቕሪ ይሃልወና

 ንፋቐር ፍቕሪ'ዩ መልክዕና!

ፍቕሪ'ዩ መልክዑ ንወዲ ሰብ፡
ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ እታ ናይ መጀመርያ ጥበብ፡
ጽልኢ ኣወጊዱ ኮፍ ኢሉ ዝላዘብ፡
ማዕረ ነብሱ ብብጻዩ ዝሓስብ።
ንዓበይቲ ዘኽብር ንነኣሽቱ ዝምህር፡
ኣብ ክንዲ ብቑጠዓ ብትሕትና ዝመክር፡
ሓወይ ሓፍተይ በሃላይ ተኻፋሊ ሽግር፡
ንጽጉም ኣብ ምሕጋዝ ሓቢሩ ዝወፍር።
ቒምታ ገዲፉ ሕድገት ዝመርጽ፡
ናይ ሰባት ሕሜታ ዘይብሎ ድምብርጽ፡
ንተንኮል ንዒቑ ነቲ መንገዲ ዓመጽ፡
ሰላም ተቐኒቱ ኣብ ሓቂ ዝረግጽ።
ኣሕዋተይ!!!
ጽልኢ ኣይናትናን'ዩ ፍቕሪ'ዩ መልክዕና፡
ካብ ዓደይ ዓድኻ ካብ ዓሌት ርሒቕና፡
ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪ ከይፈለና፡
በርኣያ ስላሴ ሓደ'ዩ ፍጥረትና።
ፈጣሪ ብዓቢ ፍቕሪ'ዩ ዝፈጠረና፡
ካብ ኩሉ ፍጡር ኣብሊጹ ሓረየና፡
ድምጹ እንሰምዓላ ሕልና ሰኹዓልና፡
በቲ መጽሓፉ እዉን ፍቕሪ'ዩ ምሂሩና።
እሞ እንታይ ደኣሉ'ቲ ጸገም ምፍቓር ዝኸልኣና፡
ስስዐ ደኾን'ዩ ልቦናና ደፊኑና፡
እስከ ነስተንትኖ ዝሓለፈ ሂወትና፡
ንፈጣሪ ኣይነጉሂ ነቲ ዘፍቀረና፡
ንፍቕሪ ንዘክር ንሳ እያ መልክዕና።

 ሓዉኹም ኣሮን (13/09/2021)

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...