2ይ ክፋል: ኳንተም ኮምፕዩተር ሳይንስ

 ኳንተም ኮምፕዩተር ሳይንስ

2 ክፋል

ካብዘን ሕጂ ንጥቀመለን ዘለናኸ ብምንታይ ይፍለያ? ዝብሉ ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ። ከም እንፈልጦ እዘን ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ዘለዋ ኮምፒተራት ናብዚ ሕጂ ዘለዋኦ ደረጃ ንኽበጽሓ ኣዝዩ ብዙሕ መስርሕ እየን ሓሊፈን ብደረጃ ቅልጣፌንን፡ኽዝንኦ ብዝሒ ዶኩመንትታትን ፋይላትን፡ ግዝፈንን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ወለዶ (Computer Generation) ተኸፋፊለን ይርከባ፥ ሓፈሻዊ መጸዊዔን ድማ ክላሲካል ኮምፒተር (Classical Computers) ይበሃላ። ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክላሲካል ኮምፒተርን(Classical Computers) ኳንተም ኮምፒተርን(Quantum Computers) ኢልና ክንፈላልየን ኢና ማለት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኳንተም ኮምፒተር ኣዝዩ ዓቢ ማሽን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከተንቀሳቕሶ እዉን ዘይከኣል ኣብ ሓደ ቀዋሚ ቦታ ተተኺሉ ይርከብ፡ እዚ ማለት ናብ ተንቀሳቓሲ ኮምፑተር ንምቕያሩ ኣዝዩ ብዙሕ መስርሕ ክሓልፍ ከድልዮ ማለት እዩ፡ ይኹን ደኣእምበር ኦንላይን ኣካዉንት(online account) ብምኽፋት ብዛዕባ ኳንተም ኮምፒተር ክትርዳእን ክትመራመርን ገለገለ ነኣሽቱ ፕሮግራም ምብጽሓፍ እዉን ክትለማመድ ይከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ንኳንተም ኮምፒተር ካብ ክላሲካል ኮምፒተር ዝፈልየንብዙሕ እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ንምጥቃስ ግን ፡ ክላሲካል ኮምፒተራት ወይ እዘን ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ዘለዋ ኮምፒተራት ዝኾነ ሓበሬታ ናብ 0(ዜሮ)ን 1(ሓደን) ብምቕያር እየን ዝርድኦኦ፡ ኣብ ኳንተም ኮምፒተራት ግን ተወሳኺ ሳልሳይ 0(ዜሮ)ን 1(ሓደ)ን ኣብ ሓደ እዋን ዝግለጹሉ (0’s and 1’s Entanglement) መንገዲ ኣተኣታትየን ይርከባ። እዚ ማለት ኳንተም ኮምፒተር 0(ዜሮ)፡ 1(ሓደ) ከምኡ ዉን 0ን 1ን ብምሕዋስ ሓበሬታ ክኽዝናን ከመስርሓን ይኽእላ። እዚ ድማ ኣዝየን ቅልጡፋት ከምዚኾና ይገብረን ማለት እዩ። 

ብዛዕባ ምሕዋስ 0ን 1ን(Quantum Bit Entanglement) ኣብ ቀጻሊ ኣብ ትሕቲ “ኳንተም ኮምፒተራት ብኸመይ እየን ዝሰርሓ? ዝብል ኣርእስቲ ብሰፊሑ ክንገልጾ ኢና።

ይቕጽል ………

ኣሮን ተስፋልደት

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...