1ይ ክፋል: ኳንተም ኮምፕዩተር ሳይንስ

ኳንተም ኮምፕዩተር ሳይንስ

1 ክፋል

ኳንተም ኮምፕዩተር እንታይ ማለት እዩ?

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓዉደ ትምህርቲ ናይ ኮምፒተር ሳይንስ፡ ቁጽሪ (Mathematics) ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ርጉጽ ነገር እዩ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ብኮምፒተር ሳይንስ ክምረቕ ንዝደሊ ሰብ ኣብ ቁጽሪ ጽቡቕ ዝኾነ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ከም ተማሃራይ ናይ ኮምፒተር ሳይንስ መጠን ጽቡቕ ዝኾነ ጥበባዊ ኣተሓሳስባ(logical thinking) ከተማዕብል ስለዘሎካ እዚ ድማ ኣብ ቁጽሪ ግድላት ብምፍታሕን ዝተፈላለዩ ናይ ቁጽሪ ኣፈታትሓ ጥበባት ካብ ታሕተዋይ ደረጃ ትምህርቲ እና ኣማዕበልካዮ ብምምጻእን እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ስለዚ ናይ ቁጽሪ(Mathematics) ተራ ኣብ ብዓዉደ ትምህርቲ ኮምፒተር ሳይንስ ዕዉት ኮንካ ናይ ምዉጻእ ዓቢ ተራ ይጻወት ማለት እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኮምፒተራት ኣዝየን ዝተራቐቓን ዝቐልቐፋን እናኾና ይመጻ ኣለዋ ኣብ ቀረባ መጻኢ ከኣ ኣዝየን ዝማዕበላን ዝቐልጠፋን “ኳንተም ኮምፒተር(Quantum Computers)” ዝብል ስም ሒዘን ክቕልቀላና ሙዃነን ዳርጋ ርጉጽ ኮይኑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ምምጻእ ናይ ኳንተም ኮምፒተርስ እምበኣር ንዓዉደ ትምህርቲ ናይ ኮምፒተር ሳይንስ ኣብ ቁጽሪ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ፊዚክስ(Physics) ገጹ ኣዕርዩ ቁሊሕ ከምዝብል ጌርዎ ይርከብ፡ እዚ ማለት ብፍሉይ ናብ ኳንተም ፍዚክስ(Quantum Physics) ማለትና እዩ። ፍዚክስ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ትምህርቲ ከምዝሓለፍናዮ ፍሉጥ እዩ፡ ስለዚ እምበኣር ኣብቲ ኳንተም መካኒክስ (Quantum Mechanics) ዝብል ክፋል ናይ ፊዚክስ ተመሊስካ ብምፍታሽ ብዛዕባ ኣንፈት ናይ ኳንተም ኮምፒተርስ ምርዳእ ወይ ሓሳብ ምርካብ ይከኣል።


ኣሮን ተስፋልደት

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...