2ይ ክፋል: ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሂወት ደቅና

 ለ. ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሂወት ደቅና

ቆልዑት ወይ ነኣሽቱ መንእሰያት ኣብ ኣጠቓቕማ ዲጂታል ቴክኖሎግይ ኣዝዮም ክኢላታት እዮም፡ ስለዚ እዮም ድማ “ደቀባት ዲጂታል ቴክኖሎጂ(digital natives)” ተባሂሎም ዝጽዉዑ። ብዕድማ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ማለት ድሒሮም ናብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝኣተዉ ሰባት ድማ “መጻእተኛታት ዲጂታል ቴክኖሎጂ(digital immigrants)” ተባሂሎም ይጽዉዑ።

ስለዚ እምበኣር መብዛሕትኦም ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዙሕ ግዜ ዘጥፍኡ ቆልዑት ወይ ነኣሽቱ መንእሰያት ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣዝዮም ዝተቓልዑ ኮይኖም ንረኽቦም፦

·         ናይ ምዝካር ክእለቶም ብፍላይ ኣብ ቅማረ ቁጽርታት ዝተሓተ ይኸዉን ምኽንያቱ ካብ ንርእሶም ንሞባይሎም ዘለዎም እምነት ስለዝዓቢ።(ኤፈሶን 5:15-16 “ እምበኣርከስ ተጠንቀቑ፡ እቲ ቕንያቱ ሕማቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝተዋሕበኩም ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ እናዉዓልኩም፡ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ”)።

·         ብፍላይ ኣብ ዲጂታል ጸወታ(game) ዝዉዕሉ ሰባት በቲ ኣብቲ ኣብ እዝኖም ተወቲፉ ዝዉዕል ሄድፎን(hedphone) ዝርከብ ማግነቲክ ፌልድ(magnetic field) ኣብ ርእሶም ብዘኸትሎ ሳዕቤን ቁጡዓትን መንጸርጸርትን ይኾኑ፡ ርእሶም ክሓሙ እዉን ብብዝሒ ይረኣዩ። (ኤፈሶን 4:31 “ብዘሎ ምረት ነድርን ቁጠዓን ታዕታዕን ጸርፍን፡ ምስ ኩሉ ኽፍኣት ካባኹም ይርሓቕ”)።

·         ብድሌቶም ይኹን ብዘይ ድሌቶም ንዘይተደልየ ኣጸያፊ ናይ ኢንተርነት ስእልታትን ቪድዮታትን ኣዝዮም ዝተቓልዑ ይኾኑ፡ ዘየድሊ ሕማቕ ወልፍታት ከማዕብሉ እዉን ይኽእሉ። (ኤፈሶን 5:3-4 “ህዝቢ ኣምላኽ ስለዝኾንኩም ግና ምንዝርና ወይ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት ወይ ስሰዐ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ። ንኣምላኽ ምስጋና እንተዘይኮይኑ፡ ዜሕንኽ ወይ ዜነዉር ዘረባ ወይ ብዕሉግ ዋዛ ኣባኻትኩም ኪስዕብ ኣይግባእን እዩ)።

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ነገራት ክንገብር የድልየና፦

ü  ደቅና ብግቡእ ክንመኽሮምን ክንምህሮምን ክንመርሖምን ይግባእ፡ ቆልዑት ወይ ነኣሽቱ መንእሰያት ኣብ ኣጠቓቕማ ዲጂታል ቴክኖሎግይ ኣዝዮም ክኢላታት እዮም እንተበልናዮም ሞራላዉን ስነምግባራዉን ፍልጠት ክንህቦም ግን ናትና ናይ ወለዲ ሓላፍነት እዩ።(ምሳሌ 22:6 “ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዝግበኦ መንገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ካብኣ ኣይኬልግስን እዩ”)። ነዚ ንምግባር ዝሕግዙና ምኽርታት፦

o   ሕማቕን ጽቡቕን ጎድንታት ናይ ዲጂታል ቴክኖሊጂ ምስ ደቅና ኮፍ ኢልና ክንዛተ ይግባእ።

o   ኣብ ደቅና ዝጥቀሙለን ሞባይላት ይኹን ዲጂታላዊ መሳርሕታት ከምኡ እዉን ናይ ገዛና ኢንተርነት ጽዩፍ ናይ ኢንተርነት ስእልታትን ቪዲዮታትን ዝፍንዋ መርበባት ኢንተርነት ምዕጻዉ።

o   ኣብ ደቅና ዝጥቀሙለን ሞባይላት ይኹን ዲጂታላዊ መሳርሕታት ቀጻሊ ምፍታሽን እንታይ ይገብሩን ምስመን ይራኸቡን ምፍላጥ።

o   ንደቅና ኣብ ኣጠቓቕማ ዲጂታል ተክኖሎጂ ናይ ግዜ ገደብ ምግባር።

o   ደቅና ኣብ ዝድቅሱሉ ክፍሊ ዝኾነ ናይ ዲጂታል ተክኖሎጂ መሳርሒታት ዘይምቕማጥ ወይ ሒዞም ከይኣትዉ ምኽልካል።  

o   ኣብ ግዜ መኣዲ/መግቢ ደቅና ሞባይል ወይ ካልእ ዲጂታል ኤለክትሮኒክስ ከይሕዚ ምምካርን ምኽልካልን።

ü  ከም ወለዲ መጠን ንገዛእ ርእስና እዞም ዝስዕቡ ኢልካ ምሕታት ይግበኣእ (ዕብራዉያን 5:14 “ዕጹም ብልዒ ግን ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብተሞክሮ ገዛእ ርእሶም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ)።

o   ደቅና ኢንተርነት ዘለዎ መሳርሒ የድልዮም ዶ፧ ስለምንታይ፧

o   ደቀና ኣብ ስራሕና ከይርብሹና ኢልና ዲጂታል መሳርሒ ክጥቀሙ ሰቕኢልና ዶ ንገድፎም፧

o   ደቅና ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘሎም ናይ ሙቁጽጻር/ምግታእ ክእለት ወይ ደረጃ ብስለት፡  ኢንተርነት ወይ ካልእ ዲጂታላዊ መሳርሒ ክጥቀሙ ብቑዓት ድዮም፧

o   ንደቅና እንታይ ዓይነት ናይ ኣጠቓቕማ ሕጊ ንግበረሎም፧

o   ደቅና ሚዛናዊ ኣጠቓቕማ ዲጂታላዊ መሳርሒ ንክህልዎም ብከመይ ንሓግዞም፧


ይቕጽል ………


ኣሮን ተስፋልደት


No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...