4ይ ክፋል: ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ኣተሓሳስባና

 መ. ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ኣተሓሳስባና

ደቂ ሰባት ኣብ ዘየቋርጽ ቀጻሊ ምምዕባልን ምምርማርን ተጸሚዶም ይርከቡ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ከኣ ኣዝዩ ልዑል ኣበርክቶ ብምግባር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሰባት ካብገዘኦም ከይወጹ(አረ ካብ ኮፍ ዝበሉሉ ሰድያ ከይተንቀሳቐሱ) ዘድልዮም ሓበሬታ ክረኽቡን ከመሓላልፉን ኪሎም ይርከቡ። እንተኾነግን ሚዛናዉን ግቡእ ኣጠቓቕማን ዲጂታል ተክኖሎጂ ከማዕብሉ ዘይከኣሉ እሞ ብዘይ ገደብ ኣብኡ ተጸሚዶም ዝዉዕሉ ሰባት ነዞም ስዒቦም ተጠቒሶም ዘለዉ ነጥብታትን ከምኦም ብዘኣመሰሉ ነገራት ክሳቐዩ ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ክመጽእ ጀሚሩ ኣሎ፦

·         ኣብ ግዜ ንባብ/መጽናዕቲ ኣተኩሮኦም ይጎድልን ብቐሊሉ ኣቓልቦኦም ይስረቕን። ( ምሳሌ 18:15 “ ለባም ሰብ ኩሉ ግዜ ጥበብ ኬጥሪ ባህጊ ኣለዎ፡ ኮምሃር ከኣ ድልዊ እዩ)።

·         ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ዓይነት ስራሕ ኣቶኲሮም/ኣጥቢቖም ብምሓዝ ንምስራሕ ይሽገሩ። (ምሳሌ 17:24 “ለባም ሰብ ብጥበብ ይዓዪ፡ ዓሻ ግና ብዙሕ ስራሕ ብምኹታም ንኸንቱ ይደክም”)

·         እቲ ዝለመድዎ ድጂታል ቴክኖሎጂ ምስ ዝስእኑ ስልቹዋትን ቀጨዉጨዉ በሃልትን ዘይሕጉሳትን ይኾኑ። ጽምዋ እዉን ይስመዕም። (1ይ ጢሞቲዎስ 4:15 “ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ፡ እናዓቤኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ኩልንትናኻ ወፊ”)

 

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ነገራት ክንገብር የድልየና፦

ü  ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ገዛእ ርእስና ክንምርምር የድሊ(ምሳሌ 3:21 “ወደየ፡ ንጥበብን ፍልጠትን ተጠንቂቕካ ሓዘን። ነዚአን ካባኻ ኣይትፍለየን)።

ነዚ ንምግባር ዝሕግዙና ሕቶታት፦

o   ድጂታል ቴክኖሎጂ ተጠቒመ ብኸመይ ደረጃ ኣተሓሳስባይን ፍልጠተይን ከመሓይሽ ይኽእል፧

o   ኣብ ዝሓዝኩዎ ስራሕ ኣተኲረ ንኽሰርሕ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ü  ንገዛእ ርእስና እዞም ዝስዕቡ ኢልካ ምሕታት ይግበኣእ፡ (ምሳሌ 4:5 “ንጥበብን ምስትዉዓልን ኣጥርየን፡ ንቓላተይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡ እዉን ኣይትዘምብል”)።

o   ኣብ ስክሪን ነዊሕ ጽሑፍ ኣብዘብበሉ ግዜ ኣተኩሮይ ይጎድል ዶ፧ ዝዕንቅጸኒ ዘሎኸ እንታይ እዩ፧

o   ነቶም ዝዕንቅጹኒ ዘለዉ ነገራት ብኸመይ ከወግዶም ይኽእል፧

o    ኣብ ሂወተይ እንታይ ዓይነት ምትዕርራያት ክገብር የድልየኒ፡ ስለዚ ካብቲ ዘንበብኩዎ ክኸስብን ክመሃርን፧

o   ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኩነታትን ቦታን እየ ዝያዳ ዘድምዕ፧

ሓፈሻዊ መደምደምታ

1.      ኣወንታዊ ጽልዋ ድጂታል ቴክኖሎጂ

1.1.             ብዝቐለለን ዝሓሰረን ዝርከብ ዝበለጸ ምንጪ ሓበሬታ ሙዃኑ።

1.2.             ብቐሊሉ ምስ ሰባት ንራኸብን ሓበሬታ ክንለዋወጥን የኽእለና።

1.3.             ዳርጋ ኩሉ ዓይነት ዶኩመንት ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ዝደለናዮ ሰብ ክንልእኽ የኽእለና።

1.4.             ዝደለናዮ ኣርእስቲ ብምኽፋት ባዕልና ክንመሃርን ነብስና ከነማዕብልን ይሕግዘና።

1.5.            ምስ መጻምድና ብሓደ ምስዘይንህሉ ብቐጻሊ ክንራኸብን ኩነታት መጻምድና ቀልጢፍና ክንፈልጥን ይሕግዘና።

 

2.      ኣሉታዊ ጽልዋ ድጂታል ቴክኖሎጂ

2.1.     ንመጻምድኻ ክትህቦ ዝግበኣካ ግዜ ብሉዑል መጠን ይጎድል። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ዉዒልካ እንደገና ኣብ ገዛ ምስ ኣተኻ ኣብክንዲ ጉዳይ መጻምድኻን ደቅኻን ትገብር ኣብ ሞብይልካ ሶሻል ኔትዎርክ ከፊትካ ግዜ ከተሕልፍ ትጅምር።

2.2.        ዘይተደልዩ ሕማቕ ወልፍታት ከተማዕብል ትኽእል። ኣብ ከም በዓል ኦንላይን ጸወታታት ወይ ኦንላይን ጠላዕ ብምእታዉ ግዳይ ዘይተደልዩ ወልፍታትን ኢኮኖምያዊ ዉድቀትን ትኸዉን።

2.3.             ጽዩፍ ስእልታትን ቪድዮታትን እናረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ከተትግብሮም ምፍታን ኣብ መጻምድኻ ከቢድ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ምግባር። እዚ ኣብ ዘበና ካብቲ እና ገነነ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮታት እዩ። ካብ ንቡር ወጻኢ ሰባት ብኣፍ ወይ መቐመጫ ርክብ ክገብሩ ይደልዩ በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መጻምድቶም ከቢድ ጥዕናዉን ስነ ኣእሙሮኣዉን ሽግር ይፈጥሩ።

2.4.         ምስ መጻምድኻ ዝኾነ ዘይምስስምማዕ ምስ ዘጋጥመካ ኣብክንዲ ግዜ ሂብካ ብምርድዳእ ክትፈትሖ ምፍታን ሞባይልካ ኣልዒልካ ናብ ሶሻል ሜድያ ብምኻድ ከም መሕብኢ ትጥቀመሉ ሽግርካ ድማ እናበኣሰ ይኸይድ።

2 comments:

  1. አሮን ሕወይ ብጣዕሚ፡ መሃርን እዋናውን ጽሑፍ፡ ደስ ኢሉኒ ንዓይ ንባዕለይ፡ ብሰንኪ ዘይንቡር አጠቃቅማ ናይ ንባብ ምንባብን ሸውሃተይ ዘጥፈኤ እዩ።እሞ እቲ ፈውሲ ዝህብ ቃል አብዚ ረኺበዮ አለኹ።
    ቀጽሎ፡ ተባረኽ ብጥበብ ዕበ።

    ReplyDelete

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...