3ይ ክፋል: ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሓዳርና

 ሐ. ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሓዳርና

ግቡእ ኣጠቓቕማ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንሰብ ሓዳር ዝምድነኦም ኣብ ምድልዳል ዓቢተራ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦ ብሓንሳብ ኣብዘይህልዉሉ ግዜ ቀጻሊ ደሃይ ክገባበሩን ኩነታት መጻምዶም ብዝቐለለ ክፈልጡን ይሕግዞም። መጻምዲ ግቡእን ሚዛናዉን ኣጠቓቕማ ድጂታል ቴክኖሎጂ ምስ ዘይህልዎም እዞም ዝስዕቡ ጸገማት ክፍጠሩ ይኽእሉ፦

·         ንመጻምዶም ግዜ ምሃብ ኣይክሉን፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ምጭቕጫቕ ይመጽእ። (ምሳሌ 4:23 “ ሕይወት ካብ ኣእምሮ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንኣእሙሮኻ ሓልዎ)።

·         ስረሖም ናብ ገዛ ሒዞሞ ብምምጻእ ኣብ መጻምዶም ደስ ዘይብል ስምዒት ይፈጥሩ።          (ሉቃስ 8:18 “ንዘለዎ ክወሃቦ እዩ፡ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ክትዉሰድ እያ እሞ ከመይ ጌርኩም ክምእትሰምዑ ተጠንቀቑ”)።

·         ንመጻምዶም ምሉእ ኣተኩሮ ኣይህቡን፡ እዚ ድማ ምጉዳል ፍቕርን ዘይምትእምማንን ይፈጥር። (ኤፌሶን 5:33 “ ስለዚ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ጌሩ የፍቅራ፡ ሰበይቱ እዉን ንሰብኣያ ተኽብሮ”)።


ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ነገራት ክንገብር የድልየና፦

ü  ሓደ መግቢ ብግቡእ ዘይበልዕ ሰብ ምሉእ ጥዕና ክህልዎ ኣይክእልን እዩ፡ ከምኡ ድማ ግቡእ ግዜ/ኣቓልቦ ንመጻምዱ ዘይህብ ሰብ ጥዕና ዘለዎ ሓዳር ክመርሕ ኣዝዩ ይሽገር ማለት እዩ።(ኤፊሶን 5:28-29 “ ከምኡ ኸኣ ኣቱም ሰብኡት፡ ነተን ኣንስትኹም ከም ገዛእ ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅሩወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር ንገዛእ ርእሱ እዩ ዘፍቅር። ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክረትያኑ ዝከናኸና፡ ሰብ ንገዛእ ሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር ገዛእ ሰብነቱ ዚጸልእ ሓደ እኳ የልቦን)።

     ነዚ ንምግባር ዝሕግዙና ምኽርታት፦

o   እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ መእዲ ምምጋብ።

o   ኣብ ዝተወሰነ ግዜ መደብ ጌርካ ብሓባር ምዝንጋዕን ግዜ ምሕላፍን።

o   ኣብ መዓልቲ እንተዋሓደ ን 15 ክሳብ 30 ደቓይቕ ሞባይላትካ ዓጺኻ ናይ እሂን ምሂን ግዜ ይሃልኻ።

o   ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ዝኾነ ዲጂታል ኤለክትሮኒክስ ካብ ምጥቃም ምቑጣብ፡ ኣድላዬ እንተኾይኑ ኢንተርነት እዉን ምዕጻዉ።

ü  ከም መጻምዲ መጠን ንገዛእ ርእስና እዞም ዝስዕቡ ኢልካ ምሕታት ይግበኣእ (1 ቆሮንቶስ 10:24 “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር ሓደ ኣኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ”)።

o   ዲጂታል ተክኖሎጂ ምስ መጻምደይ ዘሎኒ ዝምድና ንምድልዳል ብኸመይ ክጥቀመሉ ኣሎኒ፧

o    ዲጂታል ተክኖሎጂ ኣብ ሓዳረይ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ፧

o   ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜ ናይ ዲጂታል ተክኖሎጂ እንታይ ለዉጢ ክገብር ኣሎኒ፧

ግዜይ ብኸመይ  ሚዛናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ መንጎ ነብሰይን መጻምድተይን ስረሐይን ድጂታል ተክኖሊጂን ከመቓርሖ ይኽእል፧   

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...