4ይ ክፋል: ኳንተም ኮምፕዩተር ሳይንስ

 ኳንተም ኮምፕዩተር ሳይንስ

ቢት-ሱፐርፖሲሽን( Qubit –Superposition) ኣገዳስነቱ እምበኣር ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥ኲውቢት-ሱፐርፖሲሽን ኣብ ምዉሳኽ ቅልጣፈ ኣብ ኳንተም ኮምፒተር ዓቢተራ ዝተጻወተ ሜላ እዩ። 

ንኣብነት እንተርኢና ኣብ ክላሲካል ኮምፒተር ፕራይም ፋክቶር ናይ ኢንቲጀር ቁጽርታት(prime factorization of Integer Numbers) እቲ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ፡ ምኽንያቱ ናይ ሓደ ዓቢ ቁጽሪ ንበል 200 digit ዘለዎ ቁጽሪ ፕራይም ፋክቶር(prime factor) ክትረክብ ካብ 2 ጀሚርካ ንኹሎም ቁጽርታት ብቕደም ተኸተል ክትፍትሾም ስለዘለካ ንሓንቲ ክላሲካል ኮምፒተር ኣማኢት ዓመታት ኪወስደላ ይኽእል እዩ፡ እዚ ኣብ ክላሲካል ኮምፒተር ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ኣብ ኳንተም ኮምፒተር እምበኣርከስ ኲውቢት-ሱፐርፖሲሽን( Qubit – Superposition) ብምጥቃም ኣብ ሓጺር ግዜ ክትፈትሖ ትኽእል።

ብኸመይ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ እቲ ኮንሰፕት(concept) ቅሩብ ክብድ ስለዝብል ብ ኣብነት ጌረ ክገልጾ ክፍትን እየ። ከም ኣብነት እምበኣር ሓደ መስትያት ንዉሰድ፡ ነዚ መስትያት ብርሃን ምስ ዓለቦ እቲ ነጸብራቕ ካብ’ቲ መስትያት ናብ ብዙሕ ኣንፈታት ክኸይድ ይኽእል ፡ ንሕና ድማ ነቲ ናብ ዓይንና ዝተላእኸ ነጸብራቕ ጥራይ ተቐቢልና ብናትና ኩርናዕ ጠመተ ነቲ ኣብቲ መስትያት ዘሎ ምስሊ ንርእዮ፡ እዚ ማለት እቲ ናብ ካልእ ኣንፈታት ዝኸደ ነጸብራቕ ኣየገድሰናን ማለት እዩ። ልክዕ ብኸምዚ ኣገባብ እምበኣር ኳንተም ኮምፒተር ናይ ሓደ ዓቢ ቈጽሪ ፕራይም ፋክቶር ክትደሊ እንከላ ነቶም ብዙሕ ከምቲ እቲ መስትያት ኣብ ሓደ ግዜ ናብ ብዙሕ ኣንፈታት ነጸብራቕ ዝሰድድ፡ ኳንተም ኮምፒተር ድማ ብ ኩውቢት-ሱፐርፖሲሽን( Qubit –Superposition) ተሓጊዛ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሕ ቁጽርታት ናይምፍታሽ ዓቕሚ ኣለዋ ፥ ልክዕ ከምቲ ካብ መስትያት ናብ ዓይንና ዝልኣኽ ነጸብራቕ ብርሃን እምበር እቲ ናብ ካልእ ኣንፈታት ዝኸይድ ብርሃን ዘየገድሰና፡ ኳንተም ኮምፒተር ድማ ካብቶ ኣብ ሓደ ግዜ ትፍትሾም ብዙሓት ቁጽርታት ነቶም ዘገድሱ ቁጽርታት ብምሓዝ ነቶም ካልኦት ትጸርጎም ማለት እዩ።ብ ኸምዚ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ፕራይም ፋክቶር ናይ ሓድ ዓቢ ቁጽሪ ክትረክብ ይከኣል ማለት እዩ። 

ክላሲካል ኮምፒተር በዚናይ መስትያት ኣብነት እንተርኢናያ ግና ልክዕ ከም ነቶም ኩሎም ነጸብራቕ ካብቲ መስትያት ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት ዝኸዱ ኣኪብካ ከም ምጽራይ ማለት እዩ ፡ ስለዝኾነ መልሲ ንምርካብ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ የድልዮ።

ይቕጽል ……….

ብ ኣሮን ተስፋልደት

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...