Zeal For Wisdom:ጥበብ ይሃልወና

ጥበብ ይሃልወና!

ጥበብ ድምር ናይ ብልሕን ምስትዉዓልን ተሞክሮን ትብዓትን  ኮይና ትስመዓኒ። ኩልና ጥበብ ክህልወና ንብህግ፡ ኣብ ኩሉ ስራሕና ድማ ጥበብ ነዘዉትር ኢና፡ ምኽንያቱ ብጥበብ ምንባርን ምስ ጥበብ ምምሕዛዉን ናይ ገዛእ ርእስና ዝበለጽና ክምንኸዉን ስለዝገብረና። ንነገራት ሃዲእናን ኣስተዉዒልናን ከምኡ እዉን መርሚርና ዉሳኔ ምዉሳድ ጥበበኛታት ይገብረና። ባንጻሩ ህዉኻት ምስ እንኸዉን ዓያሹ ይገብረና ፍሬኡ ድማ ዕንወትን ጣዕሳን እዩ።

ተሞክሮ ጥበብ ይምህረካ ይበሃል እዩ፡ ካብ ተሞክሮ ካልኦት ምምሃር ግን ብልሒ እዩ፡ ዝበለጸ ጥበበኛ ድማ ይገብረካ። ስለዚ ካብ ናይ ካልኦት ተሞክሮ ክንመሃር ምእንቲ  ክንክእል እምበኣር ከነንብብ ይግበኣና፡ ምኽንያቱ መጻሕፍቲ ብምንባብ ዝበለጸ ምርጫ ክንገብርን ናዉን ቅኑዕ ርድኢትን ክህልወናን ይሕግዙና ማልት እዩ።

እዛ ምድረ-ገጽ እምበኣር ሰባት ኣንቢቦብ መሰረታዊ ሓበሬታ ክወስዱን መበገሲ ክትኮኖምን ብዝብል ሓሳብ እያ ተበጊሳ እሞ ኣብዞም ብጸጋማይ ጎኒ ናይ’ዚ ምድረ-ገጽ ዘለዉ ጥብቖ ብምጥዋቕ ምንባብ ይከኣል።   

          

                                                                                                           ኣሮን ተስፋልደት 

We tend to think of great thinkers and innovators as soloists, but the truth is that the greatest innovative thinking doesn't occur in a vacuum. Innovation results from collaboration. 
John C. Maxwell

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...