1ይ ክፋል: ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሂወትና

 ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሂወትና

ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ምዕራባዉያን ገኒኑ ዝርኤ ‘ጽባሕ ክንመዉት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን’ ዝብል ናይ መጠኑ ዝሓለፎ ስስዔን፡ ፍጹም ዓለማዊ ብዝኾነ ኣተሓሳስባ ቅዲ ሂወትን፡ ንህዝቢ ዓለም ናብ ዝገደደ ሞራላውን ስነምግባራዉን ዉድቀት ኣእትይዎ ይርከብ፡ እዚ ማለት ደቂ ሰባት ኣብ ብልሽዉና(ሓሶት፡ ስርቂ፡ ጉቦ፡ ዘረፋ)፡ ርኽሰት(ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ግብረሰዶም)፡ ፍትሕን ምብትታን ስድራቤታትን ኣእትይዎ ይርከብ። ቴክኖሎጂ ኣገልጋሊና ድዩ ዋላስ ገዛ ኢና፧ ብዙሓት ሰባት ሞባይሎም፡ ታብለቶም ወይ ኮምፕዩተሮም ከምዝቆጻጸሩዎ እዮም ዝዛረቡ፡ እንተኾነ ግን ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ነዓና ብዘይርደኣና መንገዲ ክጸልወናን ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ቀንዲ ተዋስኣይን ኮይኑ ንረኽቦ፡ ሓደ ሓደ ግዜስ ንሕና ብዘይ ንደልዮ መንገዲ ንሂወትና ከማእዝኖ እዉን ንዕዘብ ኢና። እስከ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ነገራት ቴክኖሎጂ ብኸመይ ከምዝጸልዎም ንርአ፦

ሀ. ኣብ ምሕዝነታዊ ወይ ዕርክነታዊ ሂወትና

ለ. ኣብ ሂወት ደቅና

ሐ. ኣብ ሓዳርና

መ. ኣብ ኣተሓሳስባና

ሀ. ኣብ ምሕዝነታዊ ወይ ዕርክነታዊ ሂወትና

ብ ሓገዝ ናይ ኢንተርነት ዝግበር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ኢመይል፡ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ወይ ብሓፈሻ ሶሻል መዲያ፡ንብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ወይ ክፍሊ ዓለማት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ምቅርራብን ምርኻብን ኣዝዩ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብ ሂወትና ከም ቀዳማይ ደረጃ ጌርና ዝበዝሕ ግዜና ምስኡክንዉዕል ምስ ንጅምር፦

  • ነቶም ምሳና ዝነብሩ ሰባት ማለት ኣሕዋትና ወይ ወለድና ምስኦም ከሎና ከምንርሕቆምን ምስኦም ዘሎና ርክብ ከም ዝምህምን ይገብሮን።(1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 3:8 “እምበኣር ብስምምዕ ንበሩ፡ ተደናገጽቲ፡ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለዎም፡ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ”)።
  • ብዝኾነ መኽንያት ዋላ እዉን ንዝተወሰነ እዋን ኢንተርነት ምስ ዘቋርጽ ሰባት ምሳና እንከለዉ ጽምዋን ባዶነትን ከምዝስመዓካ ይገብር።(ገላትያ 6:4 “ እንተኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ስራሕ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ብጽጻዩ ዘይኮነ ብናይ ገዛእ ርእሱ ስራሕ ኪምካሕ እዩ”)።
  • ዝያዳ ኣብ ነብስና ብምቱኳር ንኻልኦት ምሳና ወይ ከባቢና ዝናብሩ ኣዝዩ ትሑት ኣቓልቦ ከምዝህልወና ይገብረና።(ገላትያ 5:26 “ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ዉዳሴ ከንቱ ኣይንድለ”)። ጥቕምን ሳዕቤናትን ቴክኖሎጂ ኣብ ሓዳርን ሕብረተሰብን(Technoference)
  • ምስ ሰባት ኣብ እተዕልለሉ እዋን ሞባይልካ ሳይለንት ግበራ ወይ ኣጥፍኣያ/ኣርሕቃ።
  • ኣብ ሶሻል መዲያ እተሕልፎ ሰዓታት ምጉዳል።
  • ንፉዕ ሰማዒ ሙዃን።
  • ዝሓመሙ ወይ ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣዕሩኽትኻ ወይ መሓዙትካ ደሃይ ምግባር።
  • ምስቶም ኣሕዋተይን ቤተሰበይን ወይ በኣይ ዝግደሱ ሰባትን ቅኑዕ ዝኽነ ምሕዝነት ኣሎኒ ዶ፧
  • ምስ ሰባት ኣብ ዝራኸበሉ/ዘዕልለሉ እዋን ክንደይ ግዜ መባይል እናተደወለ ወይ መልእኽቲ እናመጸ ኣቓልቦ ናተይን ናይቶም ምሳይ ዘለዉን ይሰርቕ፧
  • ኣብ ኢንተርነት(ሶሻል መዲያ) ኮለል ክብል ድሕሪ ምጽናሕ እንታይ ይስመዓኒ፧ ብዘጥፋእክዎ ግዜ ይጠዓስ ዶ፧
  • ምስ በኣይ ዝግደሱን ዝግደሰሎምን ሰባት ዘሎኒ ዝምድና ንክመሓየሽ ኣብ ኣጠቓቕማ ድጂታል ቴክኖሎጂ እንታይ ለዉጢ ክገብር ኣሎኒ፧
x

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ነገራት ክንገብር የድልየና፦

 ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ገዛእ ርእስና ክንምርምር የድሊ፡ (1ይ ቆሮንቶስ 13:4-5 “ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፡ ኣይትዕበን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣይትምራሕን እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቑጣዕን እያ፡ ኣይትቕየምን እያ”)። 

ነዚ ንምግባር ዝሕግዙና ምኽርታት፦

 ንገዛእ ርእስና እዞም ዝስዕቡ ኢልካ ምሕታት ይግበኣእ(ፊሊጲስዩስ 2: 4 “ ንፍሲ ወከፍ ናይ ካልኦት ረብሓ ከኣምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ጥራይ ኣይርአ”)፦

ይቕጽል ………

ኣሮን ተስፋልደት

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...