Zeal For Wisdom: ዓላማ ይሃልወና

ላማ ይሃልወና!

ኣብ ሂወት ሓደ ክትበጽሖ እትደሊ ዕላማ ክህልወካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ብዘይ ዕላማ ምንባር ልክዕ ከም መርከብ ኣብ ባሕሪ ብዘይ ኮምፓስ ስለዝኾነ። መርከብ ኣብ ባሕሪ ብዘይ ኮምፓስ ክትጎዓዝ እንተደኣ ፈቲና ናብቲ ዝተበገሰትሉ ዕላማ ወይ መዕረፊኣ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን እያ መኽንያቱ ናበየናይ ኣንፈት ክትጎዓዝ ከምዘላ ኣንፈት ዝሕብራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ማለት ኮምፓስ ስለዝጎደላ። ልክዕ ከምኡ ኣብ ሂወት ዕላማ ምስ ዘይህልወካ መምስ ዝገጠመካ ክትጉዓዝ ትፍትን እሞ ሓደ ከየብሰልካ ሓዲግ ትተርፍ ማለት እዩ። መበገሲ ጽሑፈይ ካብ ዝተዓዘብኩዎ ኣካይዳ ናይ ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት እዩ። ግዜና ኣይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ወሲኽናሉ፡ ኣይ ሞያ ተማሂርናሉ ጽባሕ የርክበሉ ጌና መንእሰይ እየ ዘለኹ ካብ ዝብል ስልቹው ኣተሓሳስባ ዝመበገሲኡ ፈቖድኡ ተኣኪብካ ካብ ምዕላልን ፡ ምስታይን ንመጻኢ ኣብዘይጠቕመካ ዝነበረካ ኣጥፊኡ ንድሕሪት ዝመልስ ዓይነት ኣካይዳ ክዕዘብ ስለዝኸኣልኩ እየ። 

ሂወት ዕጫን ፡ ምርጫን እያ:-

1) ሂወት ዕጫ  እያ ክብል ከለኹ ነቲ ብተፈጥሮ ዝተዋህበና ክንቅይሮ ዘይንኽእል ከም ሕብሪ ቆርበትን፡ ዝተወለድካሉ ዓድን፡ ብሄርን፡ እትወርሶ ሃብትን ድኽነትን ከጠቓልል ይኽእል። እዚ ኹሉ ግን በዚ ዘሎ ምዕባለን ደረጃ ኣተሓሳስባን ድሮ ስለዝተሳዕረ ማሕለኻ ክኾነና ኣይግባእን እዩ። 

2)ሂወት ምርጫ እያ ክብል ከለኹ ግን እቲ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና እንዉስኖ ዉሳኔን፡ እንመርጾም ኣዕሩኽን፡ እንዉዕሎ ቦታን፡ እነንብቦ መጽሓፍን፡ ንመጻኢ እንሕንጽጾ ክንበጽሖ እንደሊ ዕላማን ዝኣመሰሉ የጠቓልል። 

ስለ'ዚ እምበኣር እቲ ቀንዲ ከነተኩረሉ ዘለና ነገር እቲ ካልኣይ ነጥቢ ወይ እቲ ሂወት ምርጫ እያ ዝብል ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ ምርጫና ኮምፓስ ሂወትና ስለዝኾነ ብእንመርጾ ነቲ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዝጠቐስኩዎ "ሂወት ዕጫ እያ" ዝብል ነጥቢ ክንስዕሮን ከነመዓራርዮን ስለ እንኽእልን ማዕረ ወይዉን ልዕሊ እቶም ይበልጹና እዩም ኢልና እንሓስቦም ህዝብታት ወይ ዉልቀሰባት ክንስራዕ ከኽእለና ስለዝኽእል። 

ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ ከምዝበሃል፡ ነዚ ኣብነት ክኾነና ምስላ ናይ ንህብን ሃመማን ንርአ፡- 

ንህቢ እንተደኣ ወሲድና ካብ ዕንባባ ናብ ዕንባባ ክነጥር ይኽእል እሞ ዉጽኢቱ ድማ መዓር ሒዙ ይመጻና። ብኣንጻሩ ሃመማ እንተወሲድና ድማ ካብ ጎሓፍ ናብ ጎሓፍ ክነጥር ይዉዕል እሞ ዉጽኢቱ ድማ ሕማም ሒዙ ይመጻና። ስለዚ ኣበይ ንዉዕልን ንኣእምሮና እንታይ ክንምግቦ ንዉዕልን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እቲ ምንታይ'ሲ ሽሮ ዝበልዕት ከብዲ ስጋ ኣይተጉስዕን እያ። "ኣፍ ምልኣት ልቢ እያ ትዛረብ" ስለዚ ፍሬና ክጽብቐልና ጽባሕ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ክንበጽሕ መታን ሎሚ ጽቡቕ ንስራሕ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ንዉዓል፡ ምስ ጽቡቕ ዝምህሩና ኣዕሩኽ ድማ ንጎዓዝ።

ንዓናን፡ንደቅናን፡ንስድራናን፡ንህዝብናን፡ንሃገርናን ድማ መዓር ኰና ክንመጾም መታን ክንክእል። 

እዚ ወድሓንኩም፡ የቐንየለይ!


ሓዉኹም ኣሮን (04/09/2021)

No comments:

Post a Comment

Zeal For Wisdom: ጥበብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ጥበብ ንምርካብ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል፡ እቲ ቀዳማይ መንገዲ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ፡ ሰሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሒር ምፍራሕ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላ...